ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ኩነታት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ የንቆልቁል ምህላው ሕ/ሃ ሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ጁዳሪክ
ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ጁዳሪክ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዘሰክፍ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ጁዳሪክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ጁዳሪክ ወሲኾም ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣብ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ዘንቆልቁል ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ደርቂ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ተደራረብቲ ቅልውላዋት ሰባት ንኸም ብለውጢ ክሊማ ንዝስዕብ ከም ደርቂ ዝኣምሰሉ ኩነታት ናይ ምፅዋር ዓቕሞም ኣዳኺሙ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ዝያዳ ናብ ዝኸፍአ ፀገምን ድኽነትን ክቓልዑ ገይሩዎም ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ንውሱን ሓገዝን በዳሂ ኩነታትን ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ተጻብኦታት ወሲኹ ምስ መሻርኽቶም ብምዃን መንግስቲ ንዘካይዶ ጻዕርታት ከምዝድግፉ ሓቢሮም። ጁዳሪክ ሰብኣውያን መሓዙት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ሓገዝ ንኽረኽቡ ምላሾም ኸዕብዩ ፀዊዖም።

ሕ/ሃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ሕዳር ኣብ ዝነበር እዋን ምስ ሰብኣውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ንከምዝሃበ ዝገልጹ ጁዳሪክ ኣብ 2023 ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምላሽ ንምሃብ ዝተታሕዘ ናይ 4- ቢልዮን ዶላር ውጥን 1.33 ቢልዮን ዶላር ከምዝተረኽበ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG