ዋሽንግተን —
ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊክስን ሎሚ ረቡዕ ፖርት ሱዳን ኣትዮም ኣለው።ንሶም ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ካብ ሱዳን ክሃድሙ ኣብ ዝተኣከብሉ እዮም ናብኡ ተጓዒዞም ዘለው።
ማርቲን ግሪፊክስስ ብትዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ትካሎም ንህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ንምርኣይ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ምእታዎም ገሊፆም።
መገሻ ማርቲን ግሪፊክስ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ዝዛዘም ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ዘይረግኣሉ'ዩ ዝካየድ ዘሎ፡ እቲ ስምምዕ እቲ ውግእ ከህድእ ኣይክኣለን።
ኣብ ዋና ከተማ ኻርቱም ደማዊ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፖርት ሱዳን ኣትዮም ኣለው።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር 550 ሰባት ምይቶምን 4,900 ድማ ቆሲሎም ኣለው።
ልዕሊ 42,000 ሱዳናዊያንን 2,300 ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ድማ ናብ ግብፂ ሃዲሞም ኣለው።