ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ጀሚሩ!


ኣድልዎ፣ዘርኣውነት፣ንእስላም ምፍራሕ ወይ ምፅላእን (ኢስላሞፎብያ) ፀረ-ሴማዊነትን ኣብ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ካብ ዝዝተየሎም ጉዳያት ገሊኦም እዮም።እቲ ን4 ሰሙናት ዝፀንሕ ኣኼባ ዝጅምር ላዕለዎት ሰበስልጣን ሃገራዊ ረብሓን ዓለምለኸ ሻቐሎትን ዝምልከቱ ዛዕባታት ንኣርባዕተ ማዕልትታት ኣኼባ ብምክያድ እዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ባን ኪሙን ካብ ኒው ዮርክ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ቪዲዮ መልኽእቲ ኣብ ብዙሓት ኽፋላት ዓለም እናብኣሰ ይቕፅል ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምውጋድ ሃገራት ዝክኣለን ክገብራ ኣለወን ኢሎም።

‘’ዓለም ኣድልዎን ዘይማዕርነታውነትን ከምኡ እውን ናዕበኛ ሽበራን ዝኣመሰሉ ከብድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣጋጢሙዋ’ሎ’’ ምስ በሉ ባን ኪሙን ብምስዓብ ‘’ፈላማ ከምዚኦምን ካልኦትን በደላት ከይፍፀሙ ብዙሕ ምስራሕ ሓባራዊ ብድሆና ክኸውን ኣለዎ’’ኢሎም።ኣብ ሶሪያ ዝተፈፀሙ ምጥሓሳት ሰብኣዊ መሰላትን ዝበፅሑ ሰብኣዊውን ፖለቲካውን መቕዘፍትን ብፃዕርታት ሕቡራት መንግስታት ክውገዱ ምኽኣሉ ነይሮም ኢሎም።

ግጭት ሶሪያ ሓምሻይ ዓመቱ ሒዙ’ሎ።ልዕሊ 200 ሽሕ ሶሪያዊያን ከምዝተቐተሉ ሕቡራት መንግስታት ይግምት።ኣርባዕተ ሚሊዮን ሶሪያውያን እውን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓቒቦም ይርከቡ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዘይድ ራኣድ ኣል-ሑሴን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብዝኸፍትሉ እዋን ሃገራት ኣብ ክንዲ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታተን ናይ ባዕለን ረብሓታት ከምዘቐድማ ነቒፎም።

እቶም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ብምውሳኽ ሓላፍነት መንግስታት መሰል ህዝቦም ምምንጣል ከይኮነስ ምሕላው ሰብኣዊ መሰላት ህዝቦም ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣብዚ ናይ 4 ሰሙናት ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ሶሪያ፣ኤርትራን ናይ 2014 ኣ/ፈ ግጭት ወሽመጥ ጋዛን ዝምልከት ብነፃ ዘፃሪ ኣካል ዝቐርብ ፀብፃብ ክሰምዕ እዩ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዒራቕ፣ሰሜን ኮሪያ፣ኢራን፣በርማ፣ሪፓብሊክ ማኽአላይ ኣፍሪካ፣ኣይቮሪ ኮስትን ማሊን እውን እቲ ጉባኤ ካብ ዝዝተየለን ሃገራት ገሊአን እየን።

XS
SM
MD
LG