ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ግህሰት መሰላት ንምኽልካል ናይ 278.3 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝፍፀሙ መግሃስቲ መሰላትን ህውከት ከይፍፀሙ ንምክልኻልን ናይ 278.3 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ።

እቲ ትካል መንግስታት ሶሪያ፣የመን፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ብሩንዲን መይንማርን ክብርታት ሰብኣዊ መሰላት ክሕልውን ኣለዎም ኢሉ’ሎ።ወሃቢ ቃል ናይቲ ትካል ሊዝ ትሮሰል ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ውድብ ስርሑ ክሰርሕ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከቕርብ ኣለዎ ኢለን።

እቲ ትካል ዝሰርሖም ብርቱዓት ጎንታቱ ኣፍልጦ ከይረኸቡ ይሓልፉ ኣለው እውን ኢለን።

“ብድልየት ብዝእከብ ገንዘብ ገይርና 45,000 ግዳያት መስቀይቲ ክጣየሱ ሓጊዝና ኢና።ሰራሕተኛታትና ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 60 ኣብያተ ፅሕፈት ን567 መፅናዕትታት ይከታተሉ ኣለው።ብዙሓት ስልጠናታት እውን ይወሃቡ እዮም።”

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብድልየት ገንዘብ ዘወፍያ ዘለዋ 63 ሃገራት ጥራሕ እየን።

XS
SM
MD
LG