ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣተሓሕዛ መሰላት ዝንቀፋ ሃገራት፣ኣባል ኮምሽን መሰላት ሕ/ሃ ምኻነን ተነቂፉ


UNHRC
UNHRC
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራ መንግስታት ዘተሓታትት ሪከርድ ሰብኣዊ መሰላት ንዝለወን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣባል ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ገይሩ ምምራፁ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ነቒፈንኦ።ኣብ ጀኔቫ ዝመደብሩ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ኣባል ንክኾና ትማሊ ሰንበት ካብ ዝተመረፃ 18 ሃገራት እተን ሲሶ ጥራሕ እየን ነቲ ሮቓሒ ዘማልኣ ይብሉ እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት።

እቲ 47 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብምትኳሩን ዘተሓታትት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለወን ገለ ሃገራት ኣባል ገይሩ ምምርፁን ኣደዳ ነቕፌታ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ናይ ወንበር ኣመዳድባ ብዞባዊ እዩ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብግልፂ ውድድር ንግሪክን ስዊድንን ስዒረን ሰለስተ መናብር ዝሓዛ ኣየርላንድ፣ጀርመንን ዩናይትድ ስቴትስን ጥራሕ እየን።

ዩናይትድ ስቴትስ ቅድም ክብል ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ምዃን ሪሒቓ ድሕሪ ምፅንሓን ኣብዝሓለፈ ምርጫ ኣባል ምዃን ካብ እትጅምርን ግን ምስቲ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ስዒራ’ላ።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሱዛን ራይስ ዋሽንግተን ቐፃሊት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃን ነቲ ጨንፈር ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምጥንኻር ዝሓሸት ሃገር እያ ኢለን።

‘’ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ሰብኣዊ መሰላት ዝፍፀሙ መግሃስትን ኣብ ትሕቲ ናይ ዓለም ጨካን ስርዓታት ይሳቐዩ ንዘለው ብምሕላቕ ንምዝራብ ኣብ ቅድሚት ክንስራዕ ኣለና ኢላ ትኣምን።’’
ኣይቨሪ ኮስት፣ኢትዮጵያ፣ጋቦን፣ኬንያን ሴራ ሊዮንን ንኣፍሪካ ዝተመደቡ ሓሙሽተ መናብር ሒዘን ኣለዋ።ጃፓን፣ካዛኪስታን፣ደቡብ ኮሪያ፣ፓኪስታንን ሕቡራት ዓረብ ኤመሬትን ንናይ ኢሲያ-ፓሲፊክ ሓሙሽተ መናብር ክሕዛ እየን።ኢስቶንያን ሞንቴነግሮን ክልተ መናብር ምብራቕ ኣውሮፓ፤ኣርጀንቲና፣ብራዚልን ቬኔዝዌላን ድማ ንጉጅለ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ዝተመደቡ ሰለስተ መናብር ክሕዛ ተመሪፀን ኣለዋ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይቨሪኮስት፣ኢትዮጵያ፣ጋቦን፣ካሳኪስታን፣ፓኪስታን፣ዓረብ ኤሜረትን ቬኔዝዌላን ናይ ባዕለን ብቑዕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት የብለንን ክብሉ ስኽፍትኦም እናገለፁ እዮም።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት መናብር ዝሓዛ ሓሙሽቲአን ሃገራት ኣፍሪካ’ውን ነቐፌታ እናቐረበን እዩ።ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ናይ ሕቡራት መንግስታት ዳይረክተር ፊሊፕ ቦሎፒዮን ንናይ ኢትዮጵያ ዝተሓተ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መዚዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንምውሳድ ክጥቀመሉ ኣለዎ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ሓሳብ ናይ ምግላፅን ናይ ምእካብን መሰላት ንክኽብር፤ሓይልታት ፀጥታ ተሓተቲ ክኾኑ ምግባርን ከምኡ’ውን ምናልባሽ ምስቲ ኣባል ኮይኑሉ ዘሎ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምትሕብባር ክጅመር ኣለዎ።’’

እተን ሓድሽቲ ኣባላት ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥሪ ጀሚረን ንሰለስተ ዓመታት ከገልግላ እየን።
XS
SM
MD
LG