ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ክሳብ ዓርቢ ዝፀንሕ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈላለያ ሃገራት መበል 29 ኣኼባ ኣብ ጄኔቭ የካይድ ኣሎ።
እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝሪኦም ዘሎ ጉዳያት ሓደ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት እዩ።
ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንክምርምር ካብ ዝተመዘዘ ኮሚሽን መርማሪ ዝቐረበ ፀብፃብን ካብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ምላሽን ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ድምፂ ጠውቑ።