ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕድመ ኣብ ኤርትራ 'ገበን ሰብኣዊነት ተፈፂሙ እንተኾይኑ ዝምርምር ኣካል ሕ/መ' ተናዊሑ


ሸይላ ኪቱሪት
ሸይላ ኪቱሪት

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ትማሊ ሓሙስ ንዕድመ ራፖርተር ሕ/ሃን ንኮምሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን፣ብሓደ ዓመት ኣናዊሑ፣ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ተፈፂሙ’ዶ? ንዝብል ክፃረይ ኣብ ዝወሰነሉ ኣኸባ ድምፂ ከይተዋሃበሉ'ዩ ወሲኑ።ቻይናን ሩስያን ካብ'ቲ ረቂቅ ንርእሰን ኣግሊለን።

'ዕድመ ራፖርተርን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ብሓደ ዓመት ንምንዋሕን ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ተፈፂሞም ንዝባሃሉ ሜላዊ፣ሰፋሕቲን ርኡያትን መግሃስታት ንምፅራይን ተሓታታይነት ንምርግጋፅን’ዩ’ ዕላማ'ቲ ረቂቅ ኢሎም ወካላይ ጂቡቲ።

ብሕልፊ እቶም መግሃስታት ‘ማዕረ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት’ እዮም ኣብ ዝባሃለሉ እዋን፣ እዚ ቤት ምኽሪ ከም’ቲ ንቡር ኣሰራርሕኡ ተሰማሚዑ ነዚ ረቂቅ’ዚ’ውን ንከሕልፎ ይሓትት ኣለኹ'ውን ኢሎም።

ብሴክረተርያት’ቲ ቤት ምኽሪ ተወስውኽቲ 16 ሃገራት’ውን ነቲ ጂቡቲ ዘቅረበቶ ረቂቅ ደጊሮም ከምዘቅረቡ ተገሊፁለይ’ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት’ቲ ቤት ምኽሪ ተወሳኺ ሪኢቶ ሓቲቶም ካብ ላትቪያ ብስም ሕብረት ኣውሮጳ 'መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፍልይቲ ራፖርተርን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይምትሕብባሩ ዘጣዕስ’ዩ።ኣባላት ኮምሽን ኣብ’ዚ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ምጉብባዕን ምፍርራሕን ምፍፃሙ’ውን ኣሻቂሉና’ዩ።ሙሉእ ምፅራይ ክግበረሉ’ዩ ኢልና ተስፋ ንገብር' በሉ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብወገኖም፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወፀ ሪፖርት፣ካብ ሪፖርት ሰሜን ኮርያ ዝተቀድሐ ዓንቀፅ ኣስፊሩ’ሎ ፣እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮነ ተባሂሉ ይፍኖ ዘሎ ፀለመ’ዩ፣ስለዚ ክፃረይን ስጉምቲ ክውሰድን ይግባእ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:22 0:00

XS
SM
MD
LG