ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ከኻይዱ’ዮም


ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ራዓድ አል ሑሰን
ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ራዓድ አል ሑሰን

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበረሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ሕቡራት ሃገራት አፍሊጡ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ራዓድ አል ሑሰን ካብ ዝመጽእ ግንቦት 2-4, 2017 ዓ.ም አብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ አፈኛ ባይቶ ወከልትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኩነታት ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር ናይ ዝርኸብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስርሓትን ክመያየጡ’ዮም።

ብተወሳኺ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር አዲሱ ገብረ እግዚኣብሄር አባላት ሲቪክ ማሕበረሰባት ፓርቲታትን ፖለቲካ ክራኸቡ’ዮም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝረኸብናዮ ዜና ብተወሳኺ ምስ ሰበ ስልጣን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክራኸቡ’ዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG