ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/መ ቅልውላው ድርቂ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምምካት ሓገዝ ሓቲቱ


ኣብ ቀንርኒ ኣፍሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ድርቂ ንኢትዮጵያ፡ማእኸላይን ደቡባውን ሱማሊያን ጅቡቲን እናጥቐዐን ይርከብ

ሕቡራት መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላት ረድኤትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ብዝተብሃለ ናይ ድርቅ ቅልውላው ንዝሳቐዩ ሚሊዮናት ሰባት ረድኤት ንምቕራብ ልዕሊ ዓቕሞም ስለዝኾነን ሕፅረት ገንዘብ ስለዘጋጠሞምን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተወሳኺ ሓገዝ ይፅውዑ ኣለው።

እቲ ኣብ ቀንርኒ ኣፍሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ድርቂ ንኢትዮጵያ፡ማእኸላይን ደቡባውን ሱማሊያን ጅቡቲን እናጥቐዐን ይርከብ።ትካላት ረድኤት ከምዝበልኦ ግን እቲ ሓደጋ ኣብ ሱማሊያ ዝኸፍአ እዩ።ምትሓት ምህርቲ እኽሊ ምኽንያት ናህሪ ዋጋ ከምዝኾነ እተን ትካላት ይገልፃ ኣለዋ።ኣብ መንጎ መንግስትን ናዕበኛታት ኣል-ሸባብን ዝካየድ ቐፃሊ ዅናት’ውን ነቲ ሽግር ኣጋዲድዎ’ሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ሕቡራት መንግስታት ልዕሊ ሲሶ ህዝቢ ሱማሊያ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም።

ኣብ ቀረባ ኣል-ሸባብ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ናብ ሱማሊያ ንኽምለሳ ዝዕድም መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ነቲ መግለፂ ብታሕጛስ ተቐቢሉዎ።እንትኾነ ግን ይብላ ወሃቢት ቃል ዩን.ኤች.ሲ.ኣር መሊሳ ፍለሚንግ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ሰራሕተኛታት ቅድሚ ምምላሶም ናይ ደሕንነት መረጋገፂ ከምዝደልያ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ዓለም ለኸ ትካላት ንቶም ዝተጠቕዑ ሰባት ምግቢ፡ማይ፡መፅለልን ካልኦት መሰረታዊ ዝኾኑ ጠለባትን ንምምላእ ከቢድ ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝኾኑ ይሕብሩ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርከቡ ሽዱሽተ ሚሊዮን ግዳያት ድርቂ እናመገበ ይርከብ።ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ኤሚሊያ ካሴላ እቲ ቑፅሪ ናብ 10 ሚሊዮን ንኽዓቢ ትፅቢት ይግበር ይብላ።

ንሰን ብምቕፃል ኣብ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ብፍላይ መጠን ጉድለት ኣመጋግባ ዝለዓለ እዩበላ’ሞ ‘’ብፍላይ ድማ ዶባት ኣብ ዝሰግሩ ህፃውንቲ እቲ መጠን 45 ሚእታዊ ምዃኑ ንሕናን መሻርኽትናን ተዓዚብና ኢና።’’ኢለን።

ትካል ህፃናት ሕቡራት መንግስታት ዩኒሴፍ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ህፃናት ቀርኒ ኣፍሪካ ብጉድለት ኣመጋግባ ስለዝሳቐዩ ህፁፅ ናይ ህይወት ኣድሕን ስጉምትታት ምውሳድ ከምዘድሊ ይፅውዕ።እቲ ትካል ብውሳኽ ፍርቂ ሚሊዮን ህፃውንቲ ኣብ ህይወቶም ዓብይ ሓደጋ ገጢሙዎም ከምዘሎ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG