ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ማዕጾ ጸሊም ባሕሪ ክትከፍት ምስምማዓ፡ ጉተርዝ ንኢዶም


ፋይል
ፋይል

ሩስያ ኣቐዲማ ከተቋርጾ ከም እትኽእል ከተጠንቅቕ ዝጸንሐት እንተኾነት፡ ብጸሊም ባሕሪ ንዝሓለፍ ሰብኣዊ ረዲኤት ንተወሳኺ 60 መዓልታት ከተፍቅድ ምስምማዓ ተስፋ ዝህብ’ዩ ክብሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ረቡዕ 17 ግንቦት 2023 ገሊጾም።

ጉተረዝ ኣብ መግለጺኦም፡ ኣብቶም ወሰንቲ ጉዳያት ዝተቐየሩ ነገራት ከምዘየለዉ ብምምልካት፡ ንባዕሉ እቲ ናይ ሓገዝ ኣፍደገ ምኽፋት ግን ጽቡቕ ዜና’ዩ ኢሎሞ። ነዚ ብጸሊም ባሕሪ ንዝሓለፍ ጥረ ነገራት ኣመልኪቶም ወከልቲ ሩስያ፡ ቱርኪ፡ ዩክሬንን ሕቡራት ሃገራትን ክዘራረቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ተበግሶ ጸሊም ባሕሪ ብዝብል ስያመ፡ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ዝተብጽሐ ስምምዕ ብመገዲ ጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ እኽሊን ካልእ ከም ድዅዒ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ጥረ-ነገራትን ንሰደድ ምፍቃድ’ዩ። ኲናት ዩክሬን ካብ ዝጅምር ንነጀው በዚ መስመር 30-ሚልዮን ቶን እኽሊ ከም ዝተሰጋገረ መዛግብቲ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ካብ መንጎ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሱዳን ዝተላእከ 30-ሽሕ ቶን ስርናይ ዩክሬን ይርከቦ።

XS
SM
MD
LG