ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሕስና መግቢ ብሕልፊ ንድኻ ዘተኮረ ኣኼባ ኣብ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ


እቲ ኣኼባ ዘሕልፎ ውሳኔ ናብ ባይቶ ሕ/መ ክቀርብ እዩ

ካብ ትሻዓተ ምብራቃውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኪኢላታትን መግብን ሰበ-ስልጣንን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተኣኪቦም‘ለው።ምኽንያት - ህዝቢ‘ቲ ዞባ መግቢ ናይ ምርካብ መሰሉ ዝረጋገፀሉ መስርሕ ንምጥጣሕ።

ካብ ካልኦት ኣጀንዳታት ቀዳማይ ትኲረት ዝረክብ፣ህዝቢ ብፍላይ እቲ ድኻ መግቢ ንከይረክብ ዓንቂፉ ዘሎ ፀገም ኣየናይ‘ዩ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ‘ዩ።

ንቪኦኤ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ኣቦ-መንበር ጥምረት መርየት ኬንያ ኦድንዳ ሉሙምባ፣ኣስታት ሰማንያ ሚእታዊ ሓረስቶት ኣፍሪቃ ኣብ ንእሽተይ ግራት ዝናበሩ‘ዮም፣እቲ ዘግርም ግና ፖሊሲ መርየት‘ዛ ኣህጉር ነቶም ድኻ ሓረስቶት ዘይኮነስ ናብ ሃብታማት ዘዛዘወ‘ዩ ኢሎም።

”ክንዲ ዝተኻኣለ ቁፅሪ ሓረስቶት ናብ ፍርያት ንክኣትውን ተረባሕቲ ንክኾኑን ዝድለ እንተኾይኑ፣ፖሊሲታት፣ስሪታትን ኣሰራርሓን ዳግም ክፍተሽ ኣለዎ።ኣዝዮም ሒደት ኣብ ሰፋሕቲ ሕርሻ ዝዋፈሩ ሃብታማት፣ንሙሉእ ህዝቢ መግቢ ክቅርቡ‘ዮም ኢልካ ምፅባይ ተመራፃይ ኣይመስለንን”ይብሉ።

ሚስተር ሉሙምባ ወሲኾም፣ዝዓበየ ሕርሻ ኣፍሪቃ፣ካብ‘ቲ ዝፍለጥ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወፃኢ‘ዩ ዝርከብ ይብሉ።ናእሽቱ መርየት እናሓረሱ ዝናበሩ ገባሮት ዘተኣማምን ናብራ ኣብ ርእሲ ዘይምርካቦም፣ኣብ‘ታ ቁራፅ መርየት‘ውን ኢንቨስት ክገብሩ ዘይኽእሉን፣ምናዳ ዋንነቶም ዘይተረጋገፀ እንተኾይኑ፣ ንቀፃላይ ዘበን ኣዝመራ ምፅባይ ከምዘፀግመሎም ሓቢሮም።

ፀገም ማይን መሳለጥያታትን‘ውን ርእሶም ዝኻኣሉ ዕንቅፋታት ኮይኖም ከምዘለው ይገልፁ ሚስተር ሉማምባ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ፕሮጀክት ሓረስቶት ደቂ-ኣነስትዮ ዝኾነት ፋጢማ ሸቦድየን ሓንቲ ካብ‘ቶም ተሳታፊት‘ቲ ኣኼባ‘ያ።ንሳ ክትዛረብ ከላ፣ብሕልፊ ንደቂ-ኣነስትዮ ኣማእኪላ ክትዛረብ ከላ፣ኣብ ወረቀት ዝፃሓፉ ፖሊሲታትን መምርሕታትን ዘይትግበሩ ምኻኖም ዓብዪ ዕንቅፋት‘ዩ ትብል።

“ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ፣ተራ ደቂ-ኣነስትዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ‘ዩ።ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ‘ዚ ዞባና ዝበለፃ ኣፍረይቲ ስለዝኾና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ብደረጃ ስድራ‘ውን እንተሪኢኻዮ፣ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ምጣኔ ኣመጋግባ ኣገዳሲ ተራ ስለዘለወን‘ውን‘ዩ።ሕፅረት መግቢ ኣብ ንዛረበሉ ሰዓት፣ደቂ-ኣነስትዮ‘የን ስለ ቆልዑን ሰብኡትን ኢለን ከይበልዓ ዝሓድራ።ስለዚ፣ንመግቢ ዝምልከት ስትራተጂ ኣብ ዝሕንፀፀሉ መድረኽ፣ደቂ-ኣነስትዮ ማእከላይ ስፍራ ክሕዛ ይግባእ”ትብል ንሳ።

ሸቦድያንን ሉሙምባን፣ክልተ ካብ‘ቶም ኣብ ናይሮቢ ንውሕስነት መግቢ ኣማእኪሉ ዝዝቲ ዘሎ ኣኼባ ይሳተፉ ዘለው ኣርባዓን ሓሙሽተን ኪኢላታት፣ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ፖለቲካዊያን፣ተሓለቅቲ መሰላትን ካልኦትን‘ዮም።

እቲ ብወኪል ሕ/መ መሰላት መግቢ ዝምራሕ ዘሎ ኣኼባ፣ቀረብ መግቢን ሰብኣዊ መሰላትን ኣጣሚሩ ክዝቲየሉ‘ዩ።ከምኡውን ሃገራት ህዝበን ብሕልፊ እቲ ድኻ ህዝቢ መግቢ ዝረኽበሉ መስርሕ ከመይ ከምዝተግበራ ክግምግም‘ዩ።

ንኣብነት ሕገ-መንግስቲ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን፣ኩሉ ህዝቢ መግቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ዝብል ዓንቀፅ ኣስፊሩ‘ሎ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ናይሮቢ፣መርበብ ሰበ-ስልጣን ብፍላይ ኣባላት ፓርላማ - ክዝርግሕን፣ሕገ-መንግስቲን ሕግን‘ዘን ሃገራት ኣጠናኺሩ፣መግቢ ዝባፃሓሉን ውሕስነት መግቢ ዝረጋገፀሉን መስርሕ ከጣጥሕ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ኣኼባ ይሳተፍ ዘሎ ወኪል ሕ/መ፣ድሕሪ‘ቲ ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ንዝወፅእ ሓባራዊ መግለፂ ተቀቢሉ፣ናብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶን ትካላትን ሕ/መ ከቅርብ‘ዩ።

ሕ/መ ብመሰረት ዝዘርገሖ ፀብፃብ፣ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ዝተማለአ መግቢ ኣይረክብን፣ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ህዝቢ ድማ ኣገዳሲ ሚኒራልን ሃናፂ መግቢን ኣይረክብን።ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህፃናት ዓለም፣ሳኣን ዝተማለአ መግቢን ዝስዕብ ሕማማትን መዓልታዊ ይሞቱ።

ህዝቢ መግቢ ክረኽቡ መሰሎም‘ዩ ዝብል ዓንቀፅ ኣብ‘ቲ ኣብ 1948 ብኣቆፃፅራ ኣውሮዻውያን ዝፀደቀ ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰል ሰባት ዝተሓቆፈ ምኻኑ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG