ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ናይ ሕ/ሃ ትካል ሓገዝ መግቢ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሓገዝ ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ኣይወሰዳን" ሮይተርስ


ናይ ሕ/ሃ ትካል ሓገዝ መግቢ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሓገዝ ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ኣይወሰዳን" ሮይተርስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:50 0:00

ናይ ሕ/ሃ ትካል ሓገዝ መግቢ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሓገዝ ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ኣይወሰዳን" ሮይተርስ

ኤጀንሲ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ረድኤት ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ዝምልከት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መርመራዊ ፀብፃብ ኣዳልዩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ኣመርካ ኣብታ ብዂናት ዝተጎድአት ክልል ትግራይ እትርከብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዱኳ ኮፍ ኢሉ ቡን እናሰተየ ከሎ እኽሊ ዝተፅዓነት ቀያሕ መኪና ረኣየ።

እቶም እኽሊ ዝመልኡ ክረፂታት ማሕተም'ቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ወሃቢ ረድኤት ዝኾነ ትካል ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይዲ ዝሓዙ'ዮም። እቲ እኽሊ ንገለ ካብቶም ብህይወት ንንምባር ኣብ ሓገዝ መግቢ ዝምርኮሱ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ተወላዶ ትግራይ ክሕግዝ ዝነበሮ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ዝጠመዩ ናብ ዝርከብሉ ካምፕ እታ ቀያሕ ናይ ፅዕነት መኪና ናብ ካልእ ኣንፈት ትጉዓዝ ነይራ። እቲ ሰራሕተኛ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይዲ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ መሳርሕቱ ብምዃን ነታ መኪና ክከታተሉዋ ወሲኖም።

ሰበስልጣን'ቲ ትካል ረድኤት ብኣሽሓት ዝቑጸር ቶናት እኽሊ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ናይ ንግዲ መጥሓናትን ዕዳጋን ይቐርብ ነይሩ። እቲ ኣጋጣሚ ነቲ ትካል ዘሰንበደ ብምንባሩ ኣብ ግንቦት 2023 ብዛዕባ እቲ ውዲት ምርመራ ምጅማሩ ኣዊጁ። ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ዙሪያ ዓለም ንዝጠመዩ ሰባት ንምምጋብ ቀንዲ መሻርኽቲ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይዲ ዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም እውን ምርመራ ከም ዝገብር ገሊፁ።

እቶም ግዙፋት ትካላት ረድኤት ነቲ ጉዳይ ምርመራ ኣብ ዘካይድሉ ግዜ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ምክፍፋል መግቢ ደው ኣቢሎምዎ። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብውሑዱ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ረድኤት ኣይረኸቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG