ዋሽንግተን —
ኣብ ሶርያ ብዝደገሰ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክፋናቐሉ ከም ዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 27 ንድሓር ጥራሕ ልዕሊ 200 ሽሕ ከም ዝተፈናቐሉ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ ኩነታት እንተቐጺሉ ኣስታት 1.5 ሚልየን ሰባት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ከምዝኽእሉ ሕ/ሃ የጠንቅቕ።
ተቓወምቲ ሶርያ ዝሓለፈ ሰሙን ንሰሜናዊት ከተማ ኣለፖ ድሕሪ ምቁጽጻር ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ብምግስጋስ ብሰሉስ ድማ ንከተማ ሓማ ሒዞም ንቕድሚት ይግስግሱ ከምዘለው ሮይተርስ ይሕብር። ኣብ ሶርያ ቅድሚ`ዚ ግጭት`ውን ኣስታት 12 ሚልየን ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ከምዘለው ዝገልጽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓቲቱ`ሎ። እቲ ውድብ ወሲኹ ኣብ ግጭት ቓዛን ሊባኖስን ዘሎ ዞባ፡ ምሉእ ኵናት ሶርያ ድማ ተወሳኺ ጽዕነት ይፈጥር ኣሎ ይብል።
ቅጥዒ