ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክኢላታት ሕ/ሃ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ዓሌታዊ ቅትለትን ዓመጽን ምፍጻሞም ዘርእይ ሪፖርት የቕርቡ


ክኢላታት ሕ/ሃ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ዓሌታዊ ቅትለትን ዓመጽን ምፍጻሞም ዘርእይ ሪፖርት የቕርቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

ክኢላታት ሕ/ሃ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ዓሌታዊ ቅትለትን ዓመጽን ምፍጻሞም ዘርእይ ሪፖርት የቕርቡ

ሓይልታት ወሃቢ ድጋፍ ሱዳንን ምስኦም ዝወገኑ ከባቢያዊ ሚሊሻን ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ሰፊሕ ዝኾነ ገበናት ኩናትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።

ትማሊ ሓሙስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሪፖርት ኣብ ዳርፉር ከቢድ ግፍዕታት ይፍጸም ከም ዘሎ ዘመልክት`ዩ። በቶም ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ዝዕብለሉ ሓይልታት ህጹጹ ወሃቢ ድጋፍ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ዘውርድዎ ግፍዕታት የርኢ።
ዝተፈላለያ ፋይናንሳዊ ካምፓኒታት መዝሚዞም ዝቃለሱ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ካብ መንጎ ሓሙሸተ ግዝኣታት ዳርፉር ነተን ኣርባዕተ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮመን ኣለዉ። ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃንን ኣዛዚ ወሃቢ ሓይሊ ህጹጽ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ግጭት ንሱዳን ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ተሸሚምዋ ይርከብ።

ኲናት ካብ ጽርግያታት ርእሰ ከተማ ካርቱም ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከባብታት`ታ ሃገር `ውን ልሒሙ፡ ዝያዳ ተሃሳያይ ድማ ከባቢ ዳርፉር ኮይኑ፡ እዚ ድማ እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ በቶም ጨካናት ዝብሃሉ ሚልሻታት ጃንጃዊድ ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘዘኻኽር`ዩ። ሕጂ ኣብ ዳርፉር ዝያዳ ዕላማ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዘለዉ ድማ `ማሳሊት` ዝብሃሉ ዓሌት ምዃኖም እቲ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተዛረበ ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ካሪም ኽሃን፡ ኣብ ዳርፉር ክልቲኦም ወገናት ምጽናት ዓሌትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ምፍጻሞም ዘእምን ባይታ ኣሎ ኢሉ ኔሩ። ነቲ ሪፖርት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቡ ክኢላታት "ዳርፉር ድሕሪ 2005 ዝኸፍአ ግፍዕታት ትርኢ`ላ" ኢሎም ።

እቲ 47 ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ህጹጽ ድጋፍን ሚልሻታቶምን፡ ነቲ እቶም ካብ ግጭት ሃዲሞም ተዓቑቦምሉ ዝነበሩ መደበራት ተመዛበልትን ሲቭላዊ ከባብን ትካላት ሕክምናን ዒላማ ጌሮም መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ይብል። ብመሰረት ስለያዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓንቲ `ጀነይና` ዝተባህለት ጥቓ ዶብ ጫድ ትርከብ ዋና ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ዝኾነት ከተማ ጥራይ`ኳ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም ይብሉ ።

ጾታዊ ግፍዕታት`ውን በቶም ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ድጋፍ ብሰፊሑ ከም ዝፍጸም፡ ደቂ 14 ወይ 16 ዕድሚአን ኣዋልድ ከይተረፋ ብሓይሊ ተወሲደን ወይ ተጭውየን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸመን እቲ ሪፖርት ጠቒሱ`ሎ።

ከምኡ`ውን ብውሕዱ ክልተ ጠበቓታት፡ ሰለስተ ፍሉጣት ዶክተራት፡ ሸውዓተ ኣለይቲ ሕሙማን፡ ከምኡ`ውን ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዝነበሩ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ብሰራዊት ጀነራል ዳጋሎ ከም ዝተቐተሉ እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ይሕብር። እዚ ድማ ብመሰረት ውዕል ጀነቫ 1949፡ ብንጹር ገበናት ኲናት ምዃኑ የመልክት።

በመሰረት ጸብጻብ`ቶም ክኢላታት፡ እቶም ሚልሻታት ንዳርፉር ናይ ምቁጽጻር ዓቕሞም ኣብ ሰለስተ ረቛሒታት ዝምርኮስ `ዩ። 1ይ ኣብቶም ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ማህበረ-ሰብ፡ 2ይ ንዝተፈላለያ ካምፓንታት ዝሓቖፈ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ፡ 3ይ ድማ ብጫድ ብሊብያ ከምኡ`ውን ብደቡብ ሱዳን ዝኣቱ ሓዲሽ መስመር ወተሃደራዊ ቐረባት `ዩ ይብሉ ።

ክልቲኦም ወገናት ማለት ሰራዊት ሱዳንን ሚልሻ ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍን ኣብ ሰፊሕ ምልመላት ሰራዊት ዝዋፈሩ`ኳ እንተኾኑ፡ እቶም ሓይልታት ህጹጽ ድጋፍ ዝያዳ ይዕወቱ፡ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ምህርቲ ወርቂ ዘተኮረ ኣብ ብዙሓት ማለት 50 ዝኾና ካምፓንታት ወፍሪ ስለዝገበሩ ይብሉ እቶም ክኢላታት።

ዝሓለፈ ዓመት ጫድ በጺሓ ዝነበረት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ፊልድ፡ እቲ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ሪፖርት ዘስካሕክሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ባይቶ ጸጥታ ኮነ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እኹል ጠመተ ዘይምሃቡ ብዓሚቕ ዘጉሂ`ዩ ኢላ። ንሳ ብምስዓብ "ህዝቢ ሱዳን ተረሲዕና ኢና ዝብል ስምዒት እንተሓደሮም ሓቆም `ዮም" ኢላ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብምዕራብ ኮነ ብምብራቕ ረድኤት ዝኣትወሉ መንገዲ ክኸፍት ዝጸውዐት ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ስቅያት ሱዳን ብቕልጡፍ ክቐርፍን ነቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍትሒ ከቕርብን ግጭት ሱዳን ብቕልጡፍ ከብቅዕን ይግባእ ኢላ።

ግጭት ሱዳን ኣስታት 6.8 ሚልየን ሰባት ከም ዝፈናቐለ፡ ካብኦም እቶም 1.4ሚልየን ካብታ ሃገር ወጽዮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝሃደሙ እቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ`ሎ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG