ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት፤ "ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኲናት ይፍጸም ኣሎ”


መሓመድ ቻንደ ዑስማን - ፋይል
መሓመድ ቻንደ ዑስማን - ፋይል

ሽሕ እኳ እቲ ቀንዲ ኲናት ደው እንተ በለ፡ ሕጂ’ውን ገና ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ክብል መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሎሚ 18 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ብመሓመድ ቻንደ ዑስማን ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ኮሚተ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ተዅሲ ደው እንተበለ እኳ ገና ብሕልፊ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ክልል ትግራይ እቲ ግፍዒ ይቕጽል ኣሎ፡” ክብል ኣመልኪቱ። ጸብጻብ እቲ ኮሚተ ከም ዝጠቕሶ፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ማእሰርቲን ኣሰቃቒ ኣካላዊ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ይፍጸም ከም ዘሎ ጠቒሱ።

ኣብቲ ግፍዒ ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ምዃኖም እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሮይተርስ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ጸብጻቡ ኣየጠቓለለን።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ንዝተባህለ ግፍዒ ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ። እንተዀነ፡ እንኮላይ ነቲ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታት ክምርምሮ ምዃኑ ምሕባሩ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG