ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ መርማሪ ኮሚሽን ብዛዕባ እቲ ተቓውሞን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ተቓወምቲ ዝተወሰደ ስጉምትን ንኽምርምርዎ መንግስቲ ክፈቅድ እውን ፀዊዖም ኣለው።
“ጃምላዊ መቕተልቲ ተፈፂሙ፣ኣሽሓት ቆሲሎም፣ዓሰርተታት ኣሽሓት ተኣሲሮም፣ኣማኢቲ ተሰዊሮምን ዝብሉ ክስታት ኣጒሂዩና’ሎ’’ ኢሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ራፖርተር ብሰላም ናይ ምእካብን ምውዳብን ነፃነት ማይና ኪያይ።
ኣብ እዋን በዓል ኢሬቻ ብፅቕጥቕጥ 55 ሰባት ዝተቐትሉ ብምግላጽ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኮንሶን ዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እውን እቶም ክኢላታት ጠቒሶም ኣለው።