ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክኢላታት ሕ/ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ምስጓግ ኤርትራውያን ከተቋርጾ ጸዊዑ


ፋይል- ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ
ፋይል- ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ

ብሕቡራት ሃገራት ዝተወከሉ ክኢላታት፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንምስጓግን ምእሳርን ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ደው ከተብል ጸዊዖም።

እቲ ጉጅለ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝገበረቶ ጃምላዊ ምስጓግ ኤርትራውያን ኣትሪሩ ብምዅናን፡ “ከምዚ ዝመስል ዓማሚን ጃምላዊን ቀጻዒ ተግባራት ኣንጻር መትከላት ዓለማዊ ስምምዓት’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ክኢላታት ኣብ መግለጺኡ፡ “ነቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን እኹል መጽናዕቲን ክመጽኦም ዝኽእል ሳዕቤናትን ከይገናዘብካ ናብ ዝሃደሙሉ ቦታ ምምላስ፡ ንተወሳኺ መቕጻዕቲ፡ ምስዋርን ማእሰርቲን ዝመርሕ’ዩ፡” ከም ዝበለ ሮይተርስ ኣስፊሩ። ካብ መንጎ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝተሰጐጕ ምዝጉባትን ዘይምዝጉባትን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከም ዝነበሩ እቲ ጕጅለ ክኢላታት ኣመልኪቱ'ሎ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣብቲ ጉዳይ ግብረ መልሲ ንምስማዕ፡ ካብ ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ካብ ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደተ ተመለስቲን ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይን ዝግበሮ ፈተነ ከም ዘይቀንዖ ጠቒሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG