ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ካብ መዝነቱ ወሪዱ


ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐተስ
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐተስ

ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ኣይተድልይን ዝተባህለ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2023 ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መደረ መዝነቱ ከም ዘረከበ ኣፍሊጡ። ካብ ሱዳን ወጻኢ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቮልከር ፐተስ፡ ኲናት ሱዳን ምልክት ደው ምባል የብሉን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ብኣድማዕነት ዝስዕረሉ ኩነታት`ውን የለን ኢሉ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ወሲኹ ግጭት ሱዳን ናብ ምሉእ ኲናት ሕድሕድ ከምርሕ`ውን ይኽእል`ዩ ኢሉ ።

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዘሎ ግጭት`ውን ብቕጽበት ናብ ዝኸፍአ`ዩ ዘምርሕ ዘሎ ዝበለ ቮልከር ፐተስ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ተባሂሉ ሲቪላት ዒላማ ይኾኑ ኣለዉ ኢሉ።

ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ጀሚራ፡ ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓንን ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝተወልዐ ግጭት ኣብዚ እዋን ናብ ቅሉዕ ኲናት`ዩ ማዕቢሉ'ሎ። ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ብውሕዱ 5- ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 12- ሽሕ ከም ዝቖሰሉን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንሱዳን ዝነበረ ቮልከር ፐተስ ኣብቲ ንባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ መደረ ሓቢሩ`ሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ ንምውራድ ሓላፍነት`ቲ ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢልዎ`ሎ፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG