ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ፈፂሙ ልዕልና ሕጊ ዘምህላዉ ኣብ ምርመራይ ርእየ -፡ መርማሪ ኣካል ሕቡራት መንግስታት


Commission of Inquiry (COI) at VOA
Commission of Inquiry (COI) at VOA

ብሕቡራት መንግስታት ዝቆመን ንኤርትራ ዝምርምር ዘሎ ኣካል ኣብ ኤርትራ ንፁር ተመሳሳሊ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎን ፈፂሙ ልዕልና ሕጊ ከምዘየለን ኣብ ምርመራይ ርእየ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን አፍሊጡ'ዩ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ'ዩ ክብል ይነፅጎ'ሎ።

ኣቦ መንበር'ቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘን ዓሚ ብቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍፅምዎ ዘለው ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ብዝምልከት ንዝቀርቡ ዘለዉ ፀብፃባት ከፃሪ ዝተመዘ ኣካል፣ ሚስተር ማይክ ስሚዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጄኔቫ ነቲ ቤት-ምኽሪ ኣብ ዘቅረብዎ መባእታዊ ፀብፃብ'ዮም ነዚ ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበር'ቲ ኮሚሽን መርማሪ ሕቡራት መንግስታት አውስትርያላዊ ማይክ ስሚዝን ካልኣዮም ኣብቲ ኣካል ዝተመዙ ጋናዊ ዶ/ር ቪክቶር ዳንክዋ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴይትስ ምስ ኤርትራውያን ንምዝርራብ ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተረኺቦም ኔሮም። ንዝቀረብሎም ሕቶታት መልሲ'ውን ሂቦም'ለው።

ዝርዝሩ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:08 0:00

XS
SM
MD
LG