ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ሕ/ሃን መንግስቲን ዘሎ ዝምድና ንምሕያል ዘሎ ዕድላት ኣሞጊሰን፣ ትካላት ሕ/ሃን ኤርትራን ውጽኢታዊ ምትሕብባር ንትግባረ ውጥናት 2013-16 ዓ.ም.ፈ ከምዘሕግዝ ገሊጸን።
ንዝተገበረለን ድሙቕ ኣቀባብላን መገሻን ንሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ዘመስገና ዩን-ዋ ካንግ፣ ምዕባለ ሕ/ሃን ሰብኣዊ ትካላትን ንምዕዋት ስትራተጂካዊ ውጥናት 2017-20 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኤርትራ ሓቢሮም ክሰርሑ ምኻኖም ሓቢረን።
ካብ ሕ/ሃ ዝመጸና ዜና ንሰን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸሓሉ እዋን ምስ ሚኒስትር ወጻኢ፣ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ሚኒስትራት ዜና፣ ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲን ዕዮን ተዘራሪበን ይብል ።