ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሎም” ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃገራት


ፊሊፖ ግራንደ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት
ፊሊፖ ግራንደ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈት ዓመተ 108 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛባሉን ዝተሰደዱን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ 19 ሚልዮን ወሰኽ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምዃኑ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር ግራንዲ ኣስዒቡ፡ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት’ውን ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ከምዘመዛበለ ወሲኹ ሓቢሩ።

35 ሚልዮን ካብቶም ተመዛበልቲ ሃገራቶም ገዲፎም ክስደዱ እንከለዉ፡ እቶም ኣስታት 62 ሚልዮን ድማ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG