ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዕረት ናይ ኮንጎ M23 ጊደ ሕቡራት መንግስታት


Congolese M23 rebel fighters gather inside an enclosure after surrendering to Uganda's government at Rugwerero village in Kisoro district, 489km (293 miles) west from Uganda capital Kampala, Nov. 8, 2013.
Congolese M23 rebel fighters gather inside an enclosure after surrendering to Uganda's government at Rugwerero village in Kisoro district, 489km (293 miles) west from Uganda capital Kampala, Nov. 8, 2013.
ብዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝተሓገዙ ወታደራት ኮንጎ ንዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ንምብራቓዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዘሸበረ ዓማፂ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደምሲሰምዎ።ሕቡራት መንግስታት ዘጣየሾ ፍሉይ ብርጌድ ነቲ ወታደራዊ ቅርፂ ቀይሩ እቶም ዓመፅቲ ተሓሲሞምዎ ንዝነበሩ ዝርርብ ሰላም ክቕበሉ ኣገዲዱዎም።

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ግቡእ ስልጠና ዘይረኸቡን ስነምግባር ዘይነበሮምን ወታደራት ኮንጎ ንሰሜናዊ ክፍለ ግዝኣት ኪቩ ራሒሪሖም ብምውፃእ M23 ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ዋና ከተማ ኪቩ ንዝኾነት ንጎማ ተቖፃፂሩዋ።

እዚ ኩነታት እዚ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ተቐይሩ ከምብሓድሽ ዝተጠናኸሩ ወታደራት ንፅኑዕ ትሕዝቶታት እቲ ዓማፂ መሊሶም ብምሓዝ ኣብ መወዳእታ ሓምሺሾምዎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ፕሮፌሰር ዓልምለኸ ጉዳያት ደሪክ ሳለሞንስ ብኽልተ ምኽንያታት ዝመፁ ምዕባለታት እዮም ይብሉ።እቲ ሓደ መንግስቲ ኮንጎ ን M23 ብሕቡእ ይድግፋ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ኡጋንዳን ሩዋዳን ፀቕቲ ብምግባር ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ካልኣይ ድማ ሕቡራት መንግስታት ዕጥቑ ሸጥ ኣቢሉ ኣብ ሓፂር እዋን ብዙሕ ከድምዕ ዝኽእል ፅኑዕ ብርጌድ ብምጥያሹ እዩ’’ኢሎም።

ፍሉይ ብርጌድ ሕቡራት መንግስታት ኣዝዮም ዝተዓጠቑ 3,000 ወታደራት ደቡብ ኣፍሪካ፣ታንዛኒያን ማላዊን እዮም።ብሄልኮፕተራት ዝተሓገዘን ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝተጠናኸረን እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ንዝርከቡ ስቪላት ስግኣት ንዝኾኑ ዓሰርተታት ዕጡቓት ጉጅለታት ክብተኑ ገይሩዎም።

እቲ ብርጌድ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ 17 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ንምጥንቓር ናብቲ ከባቢ ምውፋር ዝጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነይሩ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ኣብዚ ሰሙን እዚ ከምዝበልዎ እቲ ፍሉይ ብርጌድ ነቲ ኩነታት ከምዝለወጦን ኣብ ባይታ ንተኽእሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስቪላት ሓለዋ ዓብዪ ጊደ ከምዘለዎን ገሊፆም።

ወታደራዊ ስዕረት M23 ንኻልኦት ሚሊሽያታትን ዝተዘረፉ ማዕድናት ካብኦም እናዓደጉ ገንዘባዊ ሓገዝ ንዝገብሩሎም ዓለምለኸ ኩባኒያታትን ከም መጠንቀቕታ ከምዘገልግል ተንተንቲ ይገልፁ።

ኒውዮርክ ኣብ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ናይ ሰላም ቶቋም ክኢላ ዓቃቢ ሰላም ዝኾኑ ኣርቱር ቦውተሊስ እቲ ቀንዲ ፈተና ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምርካብ እዩ ይብሉ።
ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት እውን መንግስቲ ን M23 ከመይ ከምዘተኣናግዶ ብቐረባ ክከታተሉ እዮም ይብሉ ወሲኾም እቶም ክኢላ።ኣተሓሕዝኡ እንተፀቢቑ ካልኦት ሚሊሺያታት እውን ዕጥቆም ፈቲሖም ንዝርርብ ክተባብዑ እዮም ይብሉ።
XS
SM
MD
LG