ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ሱዳን ገበናት ኲናት ይፍጸም ኣሎ” ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን


ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን
ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን

ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን(ICC)፡ ብኽልተ ሓይልታት ሱዳን ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸመ ኣፍሊጡ። ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ብምኻድ ካብቲ ጎንጺ ሃዲሞም ዝተዓቑቡ ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝተራኸበ ዋና ኣኽባር ሕጊ ካሪም ኻን፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣኪቡዎ ብዘሎ ገምጋም ናብኡ ዝወስድ እኳ እንተዀነ፡ ናብ ውሽጢ ሱዳን ኣትዮም ዘድሊ መርመራ ክግበሩ ፍቓድ ክወሃብ ጸዊዑ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2005 ኣብ ዳርፎር ዝተፈጸመ ገበናት ናብ ዓለማዊ መጋብኣያ ምምራሑ ዝዝከር’ዩ። ንዕኡ ስዒቡ እምበኣር’ዩ እዚ ብካሪም ኢምራን ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ምጽራይ ጀሚሩ ዘሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንኣስታት 7.1 ሚልዮን ዜጋታት ምምዝባሉ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ካብዚኣቶም እቶም 1.5 ሚልዮን ዓዶም ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰዱ’ዮም። ኣስታት 25 ሚልዮን ሱዳናውያን ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኖም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG