መሰልን ነጻነትን ዜጋታት ንዝጥሕሳ ሃገራት ልዑል ምርምራ ክግበረለን 47 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊመሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ።
እቲ ውድብ ሎሚ ኣብዝጀመሮን ንሰለስተ ሰሙን ክፅንሕ እዩ ዝተባህለን ኣኼብኡ 'ዩ ነዚ ዘፍለጠ።
ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቤላሩስ ድሕሪ ናይ ፱ ነሓሰ ምርጫ ተጭበርቢሩ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ ሰብኣዊ መሰላት ቁልቁል ከምዝተጉዓዘ ሓቢሩ ኣሎ።
ምርመራ ካብ ዝግበረለን ሃገራት ውሽጢ ካምቦዲያ፣ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ሱዳን፣ ሜይንማር፣ዩክሬይን፣ቬንዘወላ፣ሶሪያ፣የመንን ከምዝርከብአን ተፈሊጡ ኣሎ።