ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ንኩነታት ኤርትራ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክሓልፍ ሓሳብ ኣቕሪቡ


ሸይላ ኪቲሩት
ሸይላ ኪቲሩት

መንግስታት ንጥርዓን ቁጽሪ ኣልቦ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኤርትራ ንፍትሕን ተሓታትነትን ክሰምዓ ኣለወን ክብላ ኣባል እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘ ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝነበራ ሸይላ ኪቲሩት ፀዊዐን።

ንሰን ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረባ ንኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ትማሊ ንሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዘስምዕኦ ጸብጻብ እዩ።

እቲ ኮሚሽን ንኩነታት ኤርትራ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክሓልፍ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ንኹነታት ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ሚስ ሼይላ ኪቲሩት ኣብ ክንዲ’ቲ ኮሚሽን መርማሪ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ 1991 ዓ.ም አትሒዙ ገበናት አንጻር ሰብአዊነት ከምዝፈጸሙ እቲ ኮሚሽን ዝረኸቦ ዝበልኦ ርኽበታት ኣቕሪበን። እዚ ኸአ ዓለምለኸ ማህበረሰብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ጽምዶ ከም ኹሉ ጊዜ ንኽሕለፍ ዘይፈቐድ ኣዝዩ ህጹጽ ኩነታት እዩ ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ኣብ ክንዲ እቶም ሰለስተ አባላት እቲ ኮሚሽን ማይክ ስሚዝን፡ ቪክቶር ዳንክዋንን ንዓኻትኹም ዝተኸበርኹም ዘቕርቦ ምህንጽንታ ንድምጺ እቶም ኣብ ኤርትራ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብአዊነት ዝኾኑ ክትሰምዑ እዩ ኢለን።

መንግስታት ድማ ንኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ዑቕባ ክህብን ናብ ኤርትራ ኾነ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ከይልእኽን ከይመልስን እምህጸን ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG