ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚሽን ሕ/ሃ፡ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ይጽውዕ


ኣቦ-መንበር እቲ ኮሚሽን ዝዀነ መሓመድ ቻንደ ኦትማን - ፋይል
ኣቦ-መንበር እቲ ኮሚሽን ዝዀነ መሓመድ ቻንደ ኦትማን - ፋይል

ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሰ፡ ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምምርማር ዝቖመ ኮሚሽን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንትግባረ ሰብኣዊ መሰላት ብቐረባ ክከታተልን ንትግባረኡ ጸቒጡ ክሰርሕን ጸዊዑ። ኣቦ-መንበር እቲ ኮሚሽን ዝዀነ መሓመድ ቻንደ ኦትማን፡ ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝተጋብአ ዋዕላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ኢትዮጵያ ኣብ ጸሊም ታሪኻዊ ህሞት ብምህላዋ፡ ብዅላቶም ተሳተፍቲ ኣካላት ግርጭት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ኣሎ፡” ኢሉ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ 2021 ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቓንዐ መበል 54 ኣኼባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣይተናውሓሉን።

ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኻየደ ግፍዕታት ባዕላ ከተጻርዮ ምውሳናን እቲ ዘድሊ ምትሕባብር ምስቲ ኮሚሽን ዘይምርኣያን “እቶም ዝተበደሉ ወገናት ፍትሒ ዘናዲዩሉ ስፍራ የለን፡” ዝበለ እቲ ኮሚሽን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንበደልቲ ፍትሒ ዘንግስሉ መንገዲ ከናድዩ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ኦትማን ኣብ መወዳእታ፡ “ሚልዮናት ግፍዒ ዝበጽሖም ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍትሒ ንምንጋስ ይጽበዩ ስለ ዘለዉ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ቀረባ ክትትል ማሕበረሰብ ዓለም ክርሕቕ የብሉን፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG