ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዙሓት ህፃናት ብኽታበት ክሓዊ ንዝኽእል ሕማም ይቓልዑ ምህላዎም ናይ ሕ/ሃ ትካል ክንክን ህጻናት ኣጠንቂቑ


ፋይል
ፋይል

ብዙሓት ህፃናት ብኽታበት ክሓዊ ብዝኽእል ሕማም ንሓደጋ ሞት ይቓልዑ ምህላዎም ናይ ሕ/ሃ ትካል ክንክን ህጻናት(ዩኒሴፍ) ኣጠንቂቑ።

ናይ ሕ/ሃ ትካል ክንክን ህጻናት(ዩኒሴፍ) ህፃናት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ስሩዕ ክታበት ብዘይምርካቦም ብኽታበት ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ 2023 ከምዘመልከቶ ንኣገዳስነት ክታበት ብዝምልከት መፅናዕቲ ካብ ዝተገብረለን 55 ሃገራት እተን 52 ኣብ ኣድላይነት ክታበት ህፃናት ዝነበረ እምነት ብዝለዓለ ኣገባብ ዝጎደለ ኾይኑ ኣብ ደቡብ ኮሪያ፣ኒው ጊኒ፣ ጋና፣ ሴኔጋልን ጃፓንን ብልዕሊ ሰለስተ ሚእታዊት ምጉዳሉ ይሕብር።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ማለት’ውን ቻይና፣ ህንድን፣ ሜክሲኮን ጥራሕ ሰባት ክታበት ንጥዕና ዘለዎ ጥቕሚ ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ከምዘለዎም የርኢ።

እቲ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ኣብ መብዛሕትኦም ሃገራት ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ለበዳ ስዒቡ ኣብ ጥቕሚ ክታበት ንህፃናት ዘለወን እምነት ዝተሓተ ምኳኑ የረድእ።

በቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሰለስተ ዓመታት ዝተዓናቐፈ ኣገልግሎት ክታበት ህፃናት 67 ሚልዮን ህፃናት ሓደ ወይውን ካብኡ ንላዕሊ ክታበት ዘይረኸቡ ክኾኑ ከለዉ ካብዚኦም እቶም ፍርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምዃኖም ከምዘተሓሳሰቦ ትካል ክንክን ህጻናት ሕ/ሃ ይገልፅ።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ መንግስታት ብፍላይ ኣብቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ክታበታት ዘምለጦም 67 ሚልዮን ህፃናት ፍሉይ ጠመተ ገይሮም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ። ሃገራት መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕነአን ብምሕያል ኣገልግሎት ክታበታት ብዝበለፀ ንምምሕያሽን ኣብ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ምዕሩይ ባይታ ከናድዩን ፀዊዑ።

XS
SM
MD
LG