ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምትሕብባር ንኢዶም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ውድቦም ኣብ ደቡብ ሱዳን እቲ ዝኸፍአ ነገር ከይወርድ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ጋምቢያ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ነታ ሃገር ኣንፀላሊዩ ዝነብረ ቅልውላው ብዓለምለኸን ዞባዊን ምትሕብባር ከምዝተወገደ ብምሕባር ናእድኦም ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ምስተመልሱ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሓደገኛን ናብ ዝኸፍአ ገፁ ከምርሕ ከምዝኽእልን ገሊፆም።

ንሶም ዝርከብሉ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ምብራቕ ኣፍሪካ/ኢጋድን/ ሃገራዊ ልዝብ ደቡብ ሱዳን ኣሳታፊን ንቕድሚት ዝወስድን ክኸውን ኣብ ምርግጋፅ ክተሓባበሩ እዮም ኢሎም።ምስ ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ምርኻቦም’ውን ገሊጾም።

“ምስ ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ኣብ ዝነበረ ርክብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝበለፀ ክሰርሕን ዞባዊ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ክምደብን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ።”

ሃገራት ኣፍሪቃ ንደቡብ ሱዳን ንምርግጋእ 4,000 ወታደራት ናብታ ሃገር ንምልኣኽ ሓሳብ ኣቕርቦም እዮም። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ንሰለስተ ዓመታት ይካየድ ዘሎ ግጭት ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG