ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርመርቲ ሕ/ሃ ኣብ ሊብያ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ከምዝተፈጸመ ይገልጹ


ፋይል
ፋይል

መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሊብያውያንን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመ ዘርእይ መረዳእታ ከም ዝተረኽበ፡ ሓቢሮም። ገለ ካብቲ ዝተጠቐሰ ገበናት፡ ደቀንስትዮ ንጾታዊ ባርነት ዝተገደዳሉ ከም ዝነበረ`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ`ውን ሓይልታት ሊብያ ብምሕጋዙ ኣብቲ ጌጋ ተሳትፎ ኔርዎ`ዩ ዝበሉ ተመራመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሊብያውያንን ገበናት ኣብ ምፍጻም ኢድ ኔርዎም`ዩ ይብሉ።

እቲ ሓበሬታ ብኣማኢት ዝቑጸሩት ስደተኛታትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምዝርራብ ከምዝተረኽበን ነቲ ናይ ሰለስተ ዓመታት መርመራ ዘጠቓልል ከም ዝኾነን ሓቢሮም ኣለዉ።

አባተ ዳርጋ ሕጊ፡-ኣልባ ኮይና ዘላ ሊብያ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ከም ምቕጥቃጥ፡ መስወርቲ፡ ባርነት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም `ውን ካልእ ግፍዕታት ከም ዝፍጸሞም እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኣመልኪቱ`ሎ።

ብፍላይ ነቲ ግፍዕታት ዝፍጽሙ ድማ እቶም ብሕብረት ኤውሮጳ ዝድገፉ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምዃኖም`ውን እቲ ሪፖርት ኣመልኪቱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG