ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ረድኤት፡ ሓገዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ 7 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልይ ገሊጾም


ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ስነ ስርዓት ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ቅድሚ ምጅማሩ መግለጺ ዝሃበ ሕ/ሃ 7 ቢልዮን ዳለር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕንን ሕ/ሃን እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ፣ ኣብ ኬንያ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ህይወት ሰባት ንምድሓን ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ሕ/ሃ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ልዕሊ 21 ሚልዮን ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ወዲቆም ኣለው ከምዝበለ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኣብ ሶማል መጠን ሕጽረት መግቢ ብክልተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ደርቂ ድማ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ቀንዲ ምንጪ መነባብሮ ኣብ ልዕሊ ዝኾና ጥሪት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ እቲ ዜና ይገልጽ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነቲ ብደርቂን ባህርያዊ ሓደጋታትን ተሃስዩ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝውዕል 524 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዑ ኣሎ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ሎሚ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ “እዚ ዝመስል ባህርያዊ ሓደጋታት ንዅሉ ብማዕረ ዝጸሉ ስለ ዝዀነ፡ ኵላቶም ኣካላት ዝከኣሎም ንክገብሩ” ጸዊዐን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጠን ዝወቅዕ ማይ ምውሳኹ፣ ንኩነተ ደርቂ ዘቃለል እንተኾነ ካልኦት ሓደጋታትን ብድሆታትን ሒዙ ከምዝመጸ ተገሊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ዝወቅዐ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ወሕጅን መጠነ ሰፊሕ ዕንወት ምግጣሙንን ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት በቲ ሓደጋ ከምዝተጸለው እቲ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG