ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ሳሕል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህፁፅ ረድኤትን ሓለዋ ድሕነትን ከምዘድልዮም ሕ/ሃ ኣጠንቂቑ


ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ረድኤት ህይወት ኣድሕንን ሓለዋ ድሕነትን ከምዘድልዮም ኣጠንቂቖም።

ትካላት ረድኤት ኣብዞባ ሳሕል ብዝወረደ መጠን ሰብኣዊ ቅልውላው ሻቐለቶም ይገልፁ ኣለው። ኣብ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሃገራት ንዓመታት ዝጸንሓ ግጭት፣ ግብረሽበራዊ መጥቓዕታት፣ኩነታት ለውጢ ኣየር ዘስዓቦ ፀገም ውሕስነት መግቢ ሕጂ ድማ ለበዳ ኮቪድ19 እቲ ህዝቢ ንርእሱ ከይከላኸልን ከይኽእልን ገይሩ ኣሎ ኢሎም ኣለው።

ብመሰረት ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት/OCHA/ ካብ 120 ሚሊዮን ህዝቢዞባ ሳሕል 24 ሚሊየን ሰባት ንምንባር ዓለምለኸ ሓገዝን ሓለዋን የድልዮም ይብል።

ወሃቢ ቃል OCHA ጀንስ ላረክ ፍርቂ ካብቶም ዝተጠቕዑ ህጻናት ምዃኖም ይገልጹ።

እቶም ወሃቢ ቃልእቲ ብዙሕ ዓንኬል ዘለዎ ቅልውላው ብሰንኪ ኣብተን ሃገራት ምምዝባል ዘስዓቦ ፀገም ፀጥታ፣ ጥምየት፣ ዘይምዕሩይነትን ሳዕቤን ኪቪድ-19ን ከምኡ እውን ፆታዊ ዓመፅን ዝተልዓለ እዩ ይብሉ ።

ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ማሊ፣ኒጀር፤ቡርኪና ፋሶ፣ሰሜን ምብራቕ ናይጀሪያ፣ቻድን ሰሜናዊካሜሮንን ብዝተባርዐ ግጭትን ዘይምርግጋእን 4.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው ይብል።12 ሚሊዮን ሰባት እውን ንሕፅረት መግቢ ተቓሊዖም ኣለው።1.6 ሚሊዮን ህጻናት እውን ንኣዚዩ ሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ ተቓሊዖም ይርከቡ።

ሕቡራት ሃገራት ን17 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ 2.8 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕፂኑ ኣሎ።

ኣብ ዞባሳሕል ህፁፅ ረድኤት ዘይምቕራብ ብዙሕ ህይወት ሰብ ክጠፍእን ማሕበራሰባት ንጥፍኣት ክቃልዑን ዝገብር እዩ ክብሉ ትካላት ረድኤት ኣጠንቂቖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG