ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

44 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ሱዳን ምእታወን ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ኣብ ሱዳን - ፋይል
ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ኣብ ሱዳን - ፋይል

44 ሓገዝ እኽሊ ዝጻዓና መካይን ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ግዝኣት ኮርዶፋንን ዳርፉርን ሱዳን ከምዝኣተዋ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ሕ/ሃ ገሊጹ።

ምክትል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ፋራህ ሃቅ እቲ ዋሕዚ ረድኤት ብሰንኪ ሕማቅ ኩነታት ጸጥታ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ ሰሙናት ከምዝተደናጎየ ሓቢሩ'ሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ኣብ ሱዳን ለበዳ ኮሌራ ብብዝሒ ከምዝተራእየን ካብ ዝተፈለጠሉ ጊዜ ንደሓር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 1,400 ሕሙማትን 64 ዝሞቱ ሰባትን ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ግጭት ዛጊድ ኣስታት 9- ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝፈጠረ እቲ ዜና ይሕብር።

ውግእ ናይ ሱዳን ፈለማ ኣብ ካርቱም ዘማእከለ እንተኾነ ብዙሕ ከይጸንሐ ግና ናብ ካልኦት ከባቢታት’ታ ሃገር ተዛሚቱ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG