ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተሰርቐ ሓገዝ እኽሊ ዝምልከት መርመራ ከምዝካየድ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ትካል ረድኤት ሕ/ሃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ንምድሓን ህይወት ዝተላኣኸ ረድኤት እኽሊ ተሰሪቑ ንዝብል ሓበሬታ የጻርዮ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውዲ ጂብዳር "ረድኤት እኽሊ፣ ኣብ ዕዳጋታት እናተሸጠ ምርኣይና ዘሻቕል እዩ" ከምዝበላ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ ኣሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ፣ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ርእይቶ ዝሃቡ ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት እቲ ዝተሰረቐ እኽሊ፣ ን100 ሽሕ ህዝቢ ክቕልብ ዝኽእልን ኣብ ክልል ትግራይ ሸራሮ ካብ ዝርከብ መኻዚኖ ዝተሰረቐ ከምዝኾነን ጠቒሶም ኣለው።

ነቲ ረድኤት እኽሊ፣ ካብ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ብሰራዊት ኤርትራ ተዘሪፉ ዝነበረ መኻዚኖ ሸራሮ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መን ከምዝሰረቖ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ዩ.ኤስ.ኤድ ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ብዛዕባ’ቲ ዝተሰርቀ ረድኤት እኽሊ ናብ ዕዳጋ ይቀርብ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ፣ ምስ መሻርኽትና ብዘይምቁራጽ ንዘራረበሉ ኣለና። ተመሳሳሊ ነገር ኣብ መጻኢ ንከይድገም ብቅርበት ንሰርሓሉ ኣለና" ኢሉ።

እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ኣሜሪካ ብዩ.ኤስ.ኤድ ኣቢላ ዝለገሰቶ እኽሊ፣ ናብ ተጸበይቲ ንክከፋፈል ተወጢኑ ከምዝነበረ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG