ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ሕ/ሃ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ዓለም ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ከምዝክእል የጠንቅቑ


ስደተኛታት ሱዳን
ስደተኛታት ሱዳን

ክልተ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውግእ ከምኡ እውን ኣብ ሀይቲ፣ ቡርኪናፋሶን ማሊን ዘሎ ድሩት ምንቅስቓስ ሰባት ሕጽረት መግብ ከጋጥም ከምዝክእል ሎሚ ሰኑይ ኣጠንቂቖም።

እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ናብ ዝርዝር ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ህፁፅ ኩነታት መግቢዘለወን ኣፍጋኒስታን፣ ናይጀሪያ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ተጸንቢረን ኣለዋ።

ብፕሮግራም መግቢ ዓለምን ውድብ መግብን ሕርሻን ዝወፀ ፀብፃብ ህይወትን ዕድላት ስራሕን ንምድሓን ቕልጡፍ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይፅውዕ። ብዘለዓለ ደረጃ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ካብ ዝርከባ ትሽዓተ ሃገራት ብተወሳኺ 22 ሃገራት ሕሱም ፀገም ውሕስነት መግቢ ከጋጥመን ተኽእሎ ኣሎ ተባሂለን ተፈሊየን ከምዘለዋ እዘን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ዳይረክተር ውድብ መግብን ሕርሻን ኩ ዶንጉዩ "ኣብ ዓለም ንኹሉ ውሕስነት መግቢ ክነረጋግፅ እንተደሊና በቲ ልሙድ መገዲ ምኻድ ኣማራጺ ክኸውን ኣይክእልን" ይብል።

እቲ ፀብፃብ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ካብ ሱዳን ክሃድሙ ትፅቢት ከምዝግበርን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ተወሰኽቲ 2.5 ሚሊዮን ሰባት ከቢድ ጥሜት ከጋጥሞም ከምዝኽእልን ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG