ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ንዘለው ሲቪላት ንምሕጋዝ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ


ፋይል
ፋይል

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ብውግእ ትሕመስ ኣብ ዘላ ሱዳን ዘለው ስቪላት ንምሕጋዝ ናይ 4.1 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ምሕፅንታ ትማሊ ረቡዕ ኣቕሪቡ። ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልተ ጀነራላት ይካየድ ዘሎ ናብ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝቑጸር ኲናት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለው'ውን እቲ ትካል ይእመን።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ/ሃን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ምሕፅንታ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ወይ ድማ ኣስታት 25 ሚሊዮን ሰባት ሓገዝን ሓለዋን ከምዘድልዮም ይሕብር። እቲ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስቪላት ንምሕጋዝ ዝውዕል እዩ።

"ብዙሕ እዮም ስኢኖም’’ ኢሎም ኣብ ቀረባ ምስ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝበጽሑ ኮሚሽነር ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ። ንሶም ወሲኾም "መሊሱ መላሊሱ ካብኦም ንሰምዖ መልእኽቲ ተመሳሳሊ እዩ። ናብ ገዝና ክንምለስ ምእንታን ሰላም ንደሊ፤ ናብራና መሊስና ንምትካል ሓገዝ ንደሊ ኢና’’ ዝብሉ'ዮም ኢሎም።

ግራንደ ወሲኾም "ዝያዳ ሓገዝ የድልዮም እዩ ፤ እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ድማ ሕጂ እዩ’’ ኢሎም።

ኲናት ሱዳን እንተወሓደ ን12,000 ሰባት ከምዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ይገልፅ። ከባቢያዊ ጉጅለታት ሓካይም ግን እቲ ቁፅሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝክእል ይሕብሩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መላእ ሱዳን ኣስታት 18 ሚሊዮን ሰባት ሕሱም ጥምየት ገጢሙዎም ከምዘሎ ይገልጽ። ኣስታት 19 ሚሊዮን ቆልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ከምዝኾኑ ድማ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG