ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሕ.ሃ ብዛዕባ ጽዩፍ ቃላት ፕረ. ትራምፕ ዘትዮም


ኣምባሳደር ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አንዶን ኤምባ
ኣምባሳደር ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አንዶን ኤምባ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዛሪቦምዎ ንዝተባህለ ጽዩፍ ቃላት ብዝምልከት ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃሊ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም።

ኣምባሳደር ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አንዶን ኤምባ ኣምባሳደር ኒኪ እቲ ኣገላልጻ ኣሉታዊ ጽልዋ ምስዓቡ ከምዘጉሃየ ገሊጸን።

ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ጉጅለ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቃላት ፕረዚደንት ትራምፕ ዘቆጥዕ፥ ዓሌታዊ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛ ዝፈጥር እዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ እቲ ዝተባህለ ክሰሓብን ይቅሬታ ክሕተትን ሓቲቱ።

ዝመጽእ 28ን 29 ጥሪ ኣብ አዲስ አበባ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ መልእኽቲ ክልእኹ ሓሳብ ከምዝቐረበ ኣብቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ ሓያሎ ዲፕሎማት ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ምስ ኣምባስደር ኒኪ ሃሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣዝዩ ምሕዝነታዊ ግልጹነት ዝነበሮን’ዩ” ክብሉ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ኡንዱንግ ኤምባ ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG