ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትምህርቲ ዝተሓረሞም ፍርቂ ህፃውንቲ ዓለም ኣብ 12 ሃገራት ጥራሕ ከምዝርከቡ ተገሊፁ


ትምህርቲ ዝተሓረሞም ዳርጋ ፍርቂ ናይ ዓለም ህፃውንቲ ኣብ 12 ሃገራት ጥራሕ ከምዝርከቡን ካብዘን ሃገራት እተን ሸሞንተ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ከምዝኾናን ሓደ ሓዱሽ ዝወፀ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ቁፅሪ ተምሃሮ እናወሰኸ ይኸድ እንተሃለወ እውን ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ናይ ዝኾኑ ኣፍሪካዊያን ህፃውንቲ ግን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ወሲኹ፤ሎሚ 31 ሚልዮን በፂሑ’ሎ።
ናይቲ ብትካል ትምህርቲ ሕቡራት መንግስታት UNESCO ዝወፀ ሪፖርት ዳይረክተር ፓውሊን ሮስ ኣብ 2000 ኣ/ፈ ትምህርቲ ንኹል ዝብል ተሓንፂፁ ዝነበረ ሸቶ ንምዕዋት ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ደውታ ተፈጢሩ’ሎ ክብላ ንቪኦኤ ገሊፀን።
እቶም መናእሰይ ዝመሃርዎ ትምህርትን ኣብ ባይታ ዘሎ ስራሕን ናይ ዘይምቅድዳው ሽግር ከምዘሎ’ውን ወሲኸን ሓቢረን።
ኣብ ሙሉእ ኣፍሪካ ዝርከቡ ብዙሓት መናእሰይ ንምንባር ጥራሕ ኣብ ዘይተለመደ ስራሕ ብምውፋር፣ተቐፀርቲ ናይ ባዕሎም ስራሕ ብምዃን ኣብ ድኽነት ይነብሩ ኣለው።
መንግስታት ኣፍሪካ ንናይ ሃገሮም ኢኮኖሚያዊ ስትራተጂ ዝድግፉ ፕሮግራማት ትምህርቲ ንኸስፋሕፍሑን ዝሓሸ ደመዎዝ ዘኽፍል ናይ ቴክኒክ ስልጠና ንተምሃሮ ክህቡን ምግባር ገሊኦም ምፍትሕታት እዮም ኢለን።
ገለ ሃገራት ካብዚ ኣገባብ ትምህርቲ እዚ ድሮ ተረባሕቲ ኮይነን ኣለዋ ዝበላ ሮስ ቐፂለን ‘’ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ንሪኦ ዘለና ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ምኽንያት እዚ ውዕውዕ ድልየት እዩ።ከምዚ ዝበለ ጥሙር ስትራተጂ ሒዘን እንተቐፂለን ዝሓሸ ክዕወታ ይኽእላ እየን።’’
ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትምህርቲ ኣዝየን ዘመሓየሻ ሃገራት ብቕደም ስዓብ ሞዛምቢክ፣ኢትዮጵያን ጋናን እየን።ለሴቶን ማላውን እውን ጭቡጥ ስዳሮ ኣርእየን ኣለዋ።
XS
SM
MD
LG