ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ፤ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ኣሎ ክብል ከሲሱ


ኣባላት ፖሊስ ደቡብ ሱዳን- ፋይል
ኣባላት ፖሊስ ደቡብ ሱዳን- ፋይል

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ስርዓታዊ ክልከላ ዲሞክራሲ "ሱር ዝሰደደ ዓፈና’’ ብዝብል ኣርእስቲ ትማሊ ሓሙስ 5 ጥቅምቲ 2023 ሓዱሽ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ኤጀንሲ ፀጥታ ደቡብ ሱዳንን ሰበስልጣን መንግስትን ንሰብኣዊ መሰላት ይግህሱ፣ይዕፍኑ፣ ሰባት የሳቕዩ፣ ኣብ ስራሕ መሓውራት ዜና፣ ስቪል ማሕበረሰብን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ጣልቃ ይኣትውን ኣለው ኢሉ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ባርኒ ኣፋኮ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

"ኣብዚ ዓመት መንግስቲ ንጋዜጠኛታት፣ ንኣንቃሕቲ ሕብረተሰብን ተራ ዜጋታትን ብፍላይ ድማ ሰበስልጣን ንስልጣኖም ነቐፈቲ እዮም ኢሎም ዝግምቱዎምን ኣጥቂዖም። ምፍርራሕ፣ማህረምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጾታዊ ዓመፅ ማእሰርትን ስቓይን ምጥቓስ ይክኣል።"

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምፍርራሕ ሓዊሱ ኣብ ውሽጥን ወፃእን መጥቓዕታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኤጀንሲ ስለያ ዜናታት ቅድሚ ምውፅኦም ንትሕዝቶታት ዝቆፃፀሩ ወኪላት ብምምዳብ ይመሚ ይብል።

ፖለቲከኛታት፣ተቓወምቲ ውድባት ነፃ ማሕበራትን ተዓፊኖም ሰባት ብዛዕባ ናይታ ሃገር ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ኩነታት ርእይቶ ከይህቡ ፈታኒ ከምዝኾኖም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ነቐፍቶም ደድሕሪኦም ብምስዓብ ክስወሩ ብምግባርን ብምቕታልን ይጥርጠሩ። ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝነቅፍ ሞሪስ ማቢዮር ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ኬንያ ተዓፊኑ ናብ ጁባ ተወሲዱ መስቀይቲ ተፈፂሙዎ ይብሃል።

ብዛዕባ እቶም መግሃስትታት ካብ ሚንስተር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማኩዊ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ፀጥታ ደቡብ ሱዳን ነቶም መግሃስታት ከምዝፍፅሞም ይኽሰስ። ኮሚሽነር ኣፋኮ እቲ ናይ ስለያ ኤጄንሲ ንናፃነት ህዝቢ ንምዕፋን ኣብ ሱዳን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ተመሳሳለቲ ስልትታት ከምዝጥቀም ይገልፁ።

"ኣብ ደቡብ ሱዳን ቀንዲ መሳርሒ ዓፈና ሃገራዊ ኣገልግሎት ፀጥታ እዩ። መብዛሕቲኦም ስልትታት እታ ሃገር ኣካል ሱዳን እናሃለወት ኣብ ካርቱም ዝነበረ ስርዓት ይፍፅሞም ዝነበሩ ምዃኖም ፈሊጥና ኣለና። ንኣብነት ሰባት ዝሳቐይሎምን ዝስወሩሎምን ናይ መእሰሪ ስፍራታት ደቡብ ሱዳናዊያን ሕጂ እውን "ናይ መናፍስት ኣባይቲ’’ እናበሉ ይፅውዕዎም ኣለው።እዚ ሱዳናዊያን ይጥቀምሉ ዝነበሩ ሽም እዩ።"

እቲ 57 ገፅ ዝሓዘ ፀብፃብ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ስግግር እዋን ከብቅዕ ይቀራረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ዝወፅእ ዘሎ: ብመሰረት እቲ መደብ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2024 ምርጫ ክካየድ ኣለዎ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምኽትሎም ዝነበሩ ሪክ ማቻርን ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ ውግእ ካብ እትኣትው ንደሓር ብውሑዱ 400,000 ሰባት ተቐቲሎም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።

እቲ ኮሚሽን ሰበስልጣን፣ ሰራሕተኛታት ፀጥታን ካልኦት ኣብ መግሃስታት ዝተሳተፉን ክቕፅዑን ፈፀምቲ በደል ብዘይትሓታትነት ዝነብርሉ ባህሊ ከብቅዕን ፀዊዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG