ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሕሉፋት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ዝኾኑ ኣይሁድ ምስ ሰበ ስልጣን ጸጥታ እስራኤል ተጋጭዮም


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሕሉፋት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ዝኾኑ ኣይሁድ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ የሩሳሌም ምስ ሰበ ስልጣን ጸጥታ እስራኤል ምግጫዎም ተገሊጹ።

እቲ ግጭት ዘጋጠመ ጸረ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ተቓውሞ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኮይኑ ተቓወምቲ መንገዲ ክዓጽዉ ኣብ ዝጀመረሉ ፖሊስ ድማ ንእኦም ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ሓይሊ ጎነጽ ተጠቒሞም ዝተባህሉ ሸሞንተ ካብ ተቓውሞ ሰልፊ ዝካይዱ ዝነብሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ተቓውሞ ዝተበገሰ ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ንምስታፍ ፍቓደኛታት ብዘይኾኑ አባላት እቲ ማህበረሰብ ኮይኑ ኣብ 2015 ዓ.ም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንሕሉፋት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ኣይሁድ ካብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ነጻ ዝገብር ውሳኔ ምህላፉ ይዝከር እንተኾነ እቲ ውሳነ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን።

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ዜጋታት እታ ሃገር 18 ዓመት ምስ መልኡ ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ አለዎም።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG