ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን -- ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ 26 ሰባት የቝስል


ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ -ፋይል
ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ -ፋይል

ከርተስክይ ኣብ ዝተባህለ ምዕራባዊ ከተማ ዩክሬን፡ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ከተማ፡ ኣብ እዋን ኣኼባ ናብ መሳርሕቲ ብዝተኰሶ ሰለስተ ቦምባ 26 ሰባት ምቝሳሉ፡ ንፖሊስ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ሎሚ ዓርቢ ዘጋጠመ ክስተት፡ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ናብቶም እኩባት ሰባት ብምምጻእ፡ ካብ ጁባኡ ሰለስተ ቦምባታት ኣውጺኡ ናብ ተኣከብቲ ከም ዝደርበዮ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሽዱሽተ ካብቶም ቅሱላት ኣዝዮም ከም ዝተሃስዩ እቲ ዜና ይሕብር።

ብምኽንያት ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብዙሓት ዩክሬናውያን ንመሳርያ ኲናት ብቐረባ ከም ዝረኽቡ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG