ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ንዝተቆጻጸርዎ ግዝኣት ሩስያ ንምሓዝ ዘይኮነ ንሩስያ ናብ ዘተ ሰላም ንምድፋእ ከምዝኾነ ይገልጹ


ዩክሬናዊ ወታሃደር ኣብ ከባቢ ዶብ ሩስያ
ዩክሬናዊ ወታሃደር ኣብ ከባቢ ዶብ ሩስያ

ሓደ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ዩክሬን ሎሚ ዓርቢ፡ ኪየቭ ናብ ናይ ሩስያ ዞባ ኩርስክ ሰጊራ ምጥቃዓ ፡ ሞስኮ ርትዓዊ ዝኾነ ዘተ-ሰላም ንኽትጅምር ንምእማና ኣድላዪ እዩ ኔሩ ምባሉ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር። ምይካይሎ ፖዶሊያክ ኣብ ዘረብኡ፡ ዩክሬን ንኩርስክ ንምሓዝ ድልየት የባላን እንታይ ድኣ ሞስኮ ናብ ዘተ-ሰላም ንክትመጽእ ንምግዳዳ `ዩ ኢሉ።

ዩክሬን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ውሽጢ ሩስያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናው ንገለ ክፋላት ዞባ ኩርስክ ተቖጻጺራ`ያ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ደጋጊሞም፡ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ሰላም ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክሬን ክኽበር ኣለዎ ክብሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ 2022 ንዩክሬን ዝወረረት ሩስያ ኣብዚ እዋንዚ 18% ግዝኣት ዩክሬን ከም ትቆጻጸር ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG