ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ድሚትሮ ኩለባ - ፋይል
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ድሚትሮ ኩለባ - ፋይል

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ዝርአዩ ፍሉጣት ሰባት ዝኾነ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ድሚትሮ ኩለባ ካብ ትፅቢት ዝግበረሉ ዓብዪ መንግስታዊ ለውጢ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣኑ ንምልቃቕ ደብዳበ ምቕራቡ ኣሶሼይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ። ኩለባ ካብ ስልጣኑ መውረዲ ምኽኒያት ኣይገለጸን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሩስያ ኣብ ጥቓ ዶብ ፖላንድ ንእትርከብ ናይ ዩክሬን ከተማ ልቪቭ ደብዳብ ብምፍጻም ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝተፈፀመ መጥቓዕታት ሚሳይል ሓደ መዓልቲ ድሒሩ እዩ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምቅይያራት ሰበስልጣን መንግስቲ ከም ዝህልው ሓቢሮም ነይሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG