ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን ገለ ቦታታት ግዝኣት ሩስያ ከምዝተቖጻጸረት ትገልጽ


ኣባላት ሰራዊት ዩክሬን ኣብ ዞባ ሱመይ- ጥቃ ዶብ ሩስያ - 13 ነሓሰ 2024
ኣባላት ሰራዊት ዩክሬን ኣብ ዞባ ሱመይ- ጥቃ ዶብ ሩስያ - 13 ነሓሰ 2024

ዩክሬን ሎሚ ረቡዕ ንሩስያ ብድሮንን ሚሳይላትን ብምድብዳብ፡ ቦታታት ሩስያ ከም ዝተቖጻጸረት ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ሩስያ ደጊማ ንክትሓስብ ዝገበረ ስጉምቲ`ዩ ኢሎም ኣለው። ሩስያ ብወገና ነቲ መጥቃዕትታት ድሮንን ሚሳይላትን ከምዘበርዓነቶ ምላሽ ሂባ`ላ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ዩክሬን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ናብ ዶብ ሩስያ ብምውፋር፡ ናብ ናይ ሩስያ ምዕራባዊ ዞባ ኩርስክ ምዝላቖም ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ ጽዑቕ ኵናት ድማ ወተሃደራት ሩስያ ክመልስዎም ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ዝዓበየ ትኹቶዃ`ዩ ክብል ገሊጽዎ`ሎ። ኣብቲ ክመጽእ ዝኽእል ልዝብ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ዩክሬን ዝሓሸ ናይ መላዘቢ ባይታ ንምሓዝ ትገብሮ ዘላ`ዩ ክብል`ውን ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊቱ ንቕድሚት ምግስጋሶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ጀነራላቱ ነቲ ዝቕጽል ስርሒት ዝኸውን ኣገደስቲ መደባት ከውጽኡ ኣዚዙ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG