ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛንታ ሓንቲ ስድራ፤ ካብ ደብዳበ ቦምባታት ናብ ውሑስ ቦታ


ማሪፖል
ማሪፖል

ስድራቤት ስክሪፕቸንኮ ኣብ ማሪፖል ዩክሬን፡ ን40 መዓልታት ዝኸውን ዘየቋርጽ ቦምባታት ክወድቕ እንከሎ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ኣብ ልዕሌና ትወድቕ እናበሉ’ዮም ዝጽበዩ ነይሮም። እዛ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ዝሓዘት ስድራ፡ ካብቲ ከበባ ብምውጻእ፡ ንሰለስተ ሃገራት ሰጊራ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ትርከብ።

ስድራቤት ኦለክሳንደር ኣብቲ ኣብ ሳንዲያጎ ዝርከብ ገዛኦም ንውሑዳት ሰሙን ጥራይ’ዮም ጸኒሖም ዘለዉ። ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣንያ መጻወቲ ባምቡላታት ሒዛ ትርአ። ቅድሚ ውሑዳት ኣዋርሕ እዛ ስድራ ካብ ማሪፖል ዩክሬን ትሃድም ነይራ።

ኣቦ እዛ ስድራ ዝዀነ ስክሪፕቸንኮ ኣብ ማሪፖል ብዘይ እኹል መግቢ፡ መብራህቲን ማይን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ቦምባ ደብዳባት ከም ዝጸንሑ ይነግር።

ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ፡ ስድራቤት ስክሪፕቸንኮ ንቡርን ጥጡሕን መነባብሮ’ዩ ነይሩዋ። ኣብ ፋብሪካ ምጽጋን ንብረትን ካልእ ንጥፈታት ተዋፊሮም ይሰርሑ ነይሮም። ኦለክሳንደር ናቱ ናይ ዩትዩብ መርበብ መስመር’ውን ነይሩዎ።

እዛ ጥጡሕ ናብራ እትመርሕ ዝነበረት ስድራ ግን ድሕሪ ወራር ሩስያ ህይወታ ብሓንሳብ ተወሊጡ።

“እዚ’ዩ ነይሩ ጎደና ገዛና። እዚኣቶም እቶም ዝፈትዎም ህንጻታት’ዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ተደምሲሶም’ዮም፡፡የለዉን።"

ከም ካልኦት ኣሽሓት ነበርቲ ማሪፖል፡ እዛ ስድራ’ውን ኣብ ከበባ ወዲቓ። መግቢ ምርካብ ዘይከኣል ኰይኑ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ቦምባ ነታ ቀንዲ ኣስቤዛ ዝገብሩካ ድኳን ከም ዝሃረማ ኦለክሳንደር ይዛረብ። ካብኡ ሓንቲ ከረጺት እኽሊ ክወጽኡ ዕድል ረኺብና ይብል። ማይ ስለ ዘይነበረ ካልእ ምውሳኽ ትርጕሙ ከይ ዘይተራእዮም’ዩ ኦለክሳንደር ይገልጽ። ድሕሪኡ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት በረድ ክወድቕ ምስ ጀመረ ግን ካብኡ ኣምኪኾም ማይ ከዕቍሩ ምጅማሮም ይነግር።

ስድራቤት ስክሪፕቸንኮ ንምውጻእ ስለ ዝወሰነት ጕዕዞ ጀሚራ። 11 ኪሎ-ሜተር ምስ ተጓዕዙ ግን መኸልከሊ ወታሃደራት ሩስያ ረኺቦም።

እቶም ወታሃደራት ሩስያ፡ እዋን እቶ-እቶ ምእዋጁ ሓቢሮም ክንቀሳቐሱ ከም ዘይብሎምን ዘይግበኦምን ነጊሮሞም። ካብኡ እንተቐጺሎም ክትኵሱሎም ምዃኖም’ውን ስለ ዝሓበሩዎም፡ ተመሊሶም ኣብ ሓንቲ ዝፈረሰት ህንጻ ምሕዳሮም ይነግሩ።

ኣይጸንሑን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ጕዕዞ ኣውቶቡስ ክረኽቡ ዕድል ረኺቦም። በቲ ተኣምር ዝበሉዎ ኣጋጣሚ ድማ በቲ ኣውቶቡስ ኣቢሎም ዝተፈላለየ ከተማታት ሩስያ ረጊጾም፡ ናብ ቱርኪ ቀጺሎም። ካብኡ ናብ ሜክሲኮ፡ ከምኡ ኢሎም ድማ ብመገዲ ሓደ ዓርኮም ነበር ሎስ-ኣንጀለስ ረጊጾም።

“በዓልቲ ቤተይን ጓለይን ንምድሓን እቲ እንኮ ዕላማይ ገይረ ወሲደዮ። በየን መገዲ ኣቢለ ክኸይድ’ውን ኣይገደሰንን። እቲ እንኮ ሓሳበይ ካብ ቦምባታትን መቕተልቲን ውሑስ ዝዀነ ቦታ ምርካብ ጥራይ’ዩ ነይሩ።”

እዛ ስድራ ናብ ኣመሪካ ክልተ ቦርሳታትን ካልእ ብዙሕ ጸሊም ዝኽሪን ሒዛ’ያ ኣትያ። ወለንተኛታትን ኣዕሩኽን ግን ገንዘብን ካልእን ኣዋጺኦም ብርኪ ንምትካላ ሰሪሖም። ኣብ ቅድሚኣ ግን ነዊሕ፡ ብግቡእ ናይ ምጥያስ መስርሕ ኣለዋ። እዚ ግን ነዛ ስድራ ዓቢ ጉዳይ ዘይምዃኑ’ዮም ኣባላታ ዝሕብሩ። እቲ ቀዳምነት ዝሃቡዎ ድሕነት’ዩ።

XS
SM
MD
LG