ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በይጂንግ ዝበጽሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ንትስፉው ርክብ የማዕዱ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲምትሮ ኩለባ - ፋይል
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲምትሮ ኩለባ - ፋይል

ናብ ቻይና ምብጻሕ ስራሕ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲምትሮ ኩለባ፡ ሃገሩ ነታ መሓዛ ሩስያ ምዃና እትእመን ቻይና ብቐጥታ ምዝራባን ንዘላቒ ፍታሕ ምዝታይን ኣገዳሲ ምዃኑ ከምትኣምን ሎሚ ሰሉስ ገሊጹ። ኩለባ ሎሚ ናብ በይጂንግ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዝለጠፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ቀጥታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ከም ዝሕግዝ ኣስሚሩ'ሎ።

ድሕሪ ወራር ሩስያ ንፈለማ እዋን ቻይና ዝበጽሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ ዓርቢ ክጸንሕ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳያት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ቻይና ዘይሻራዊ መርገጺ ከም እትወስድ ትገልጽ።

ቻይና፡ ንሩስያ ትሕግዝ’ያ ዝብል ብሃገራት ምዕራብ ክቐርበላ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ነቕፌታ ትነጽጎን ዘይከም ሃገራት ምዕራብ ድማ ናብ ክልቲኡ ወገን ኣጽዋር ከም ዘይትቕርብን ትነግር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG