ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሮናት ዩክሬን ንማእከል ጸዓት ሩስያ ምህራመን ምንጭታት ኪየቭ ሓቢሮም


ድሮናት ዩክሬን ኣብ ሩስያ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ካሉጋ ንዝርከብ ማእከል ነዳዲ ዘይትን ፀዓትን ከም ዝሃረማ ሓደ ምንጪ ወታሃደራዊ ስለያ ዩክሬን ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ። እዚ ኪየቭ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፀዓት ሩስያ ዝገበረቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ምዃኑ’ዩ።

እዚ ዩክሬን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ዝግለፅ ዘሎ ሩስያ ናብ ምብራቃዊት ከተማ ካራኪቭ ዝወንጨፈቶ ሓደ ሚሳይል ሩስያ ዳርጋ ክልተ ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ድሕሪ ምቑሳሉን 145 ድሮናት ሩስያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያደን ምዃኑ ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም’ለዉ።

ሞስኮን ኪየቭን ናይ ድሮናትን ሚሳይላትን መጥቃዕታት ስግረ-ዶብ ኣሐይለን’ለዋ።

ሎሚ ሰኑይ ነበርቲ ከርኪቭ ንዝወረደ ጉድኣት ክግምግሙ ከለዉ ጋዜጠኛታት ትካል ኣጃንስ ፕረስ ተዓዚቦም’ለዉ። 23- ሰባት ምቁሳሎምን 40-ህንፃታት ከም ዝተጎድኡን ሰበ-ስልጣን ገሊፆም’ለዉ።

ሓይሊ ኣየር ዩክሬን 71-ድሮናት ሩስያ ኣውዲቀ ኢሉ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG