ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ምእሳር ፕረ.ፑቲን ኲናት ምእዋጅ'ዩ ክትብል ንደ/ኣፍሪቃ ከም ዘይነገረት ኣፍሊጣ


ፋይል- ፕረዚደንት ፑቲንን ፕረዚሰንት ራማፎዛ
ፋይል- ፕረዚደንት ፑቲንን ፕረዚሰንት ራማፎዛ

ቤተ መንግስቲ ሩስያ ክረምሊን፡ ሩስያ ብመሰረት ትእዛዝ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንፕረዚደንት ፑትን ምእሳር ማለት ኲናት ምእዋጅ ማለት'ዩ ክትብል ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘይነገረት ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ'ዚ መግለጺ ክረምሊን ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ብመሰረት ዝተበጽሐ "ሓባራዊ ስምምዕ" ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጣ'ላ።

ይኹን ደኣ እምበር ዝኾነ ኣካል መብርሂ ከይተዋህቦ'ውን እንተኾነ መሰል ፑትን ንምጥሓስ ምፍታን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ይርድኦ'ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ፐስኮቭ ንሪፖርተራት ተዛሪቦም ።

ሓደ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሰራል ራማፎዛ ንፕረዚደንት ፑትን ምእሳር ማለት ኲናት ከም ምእዋጅ'ዩ ዝቑጸር ብምባል ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ከይእሰሩ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበናት ፍቃድ ሓቲቶም ኢሉ'ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ማለት ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ክተተኣናግድእ'ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG