ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩክሬይን ብዝተልዓለ ህውከት እንተውሓደ 26 ሰባት ተቐቲሎም


A protester throws tires to keep a barricade of flames between protesters and police at Independence square in Kyiv on Feb. 19, 2014.
A protester throws tires to keep a barricade of flames between protesters and police at Independence square in Kyiv on Feb. 19, 2014.
ኣብ ዩክሬይን ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንጎ ፀረ-መንግስቲ ተቓወምትን ፖሊሳት በተንቲ ተቓውሞን ብዝተፈጠረ ደማዊ ግጭት እንተወሓደ 26 ሰባት ድሕሪ ምማቶም ኣሕሻት ዩክሬናዊያን ሎማዕንቲ ረቡዕ እውን ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬይን ንዝርከብ ዋና ኣደባባይ ተቖፃፂሮም ይርከቡ።

እቲ ህውከት ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ይካየድ ኣብዘሎ ፖለቲካዊ ተቓውሞ እቲ ዝኸፍአ እዩ።
ናይ ዩክሬይን ፕሬዝዳንት ቪክቶር ያኑኮቪች ንመራሕቲ ተቓዋሚ ነቒፎም ኣለው።
ኩሎም ዝተቐትሉ ብጥይት ምዃኑ እውን ፖሊስን ወኪላት ተቓዋሚን ኣፍሊጦም።ዓሰርተታት እውን ብኸብዲ ቖሲሎም ኣለው።ካብቶም ዝሞት ትሽዓተ ፖሊሳት እዮም።

ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ህውከት ዝሓዘትሉ መርገፂ ፈረንሳይን ጀርመንን እውን ተመሳሳሊ መርገፂ ሒዘን ኣለዋ።ናይ ጀርመን መራሒት ኣንጌላ መርከልን ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድን ኣብ ፈረንሳይ ኣብዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ህፁፅን ንቶም ተሓተቲ ዒላማ ዝገበረን ማዕቐብ ክግበር ፀዊዖም።

ዋሃቢ ቃል መንግስቲ ሩሲያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ግን ነቲ ናይ ዩክሬይን ደማዊ ተቓውሞ ‘’ፈተነ ዕልዋ’’ መንግስቲ ክብሉ ኾኒኖምዎ።
XS
SM
MD
LG