ዋሽንግተን —
ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ መንግስቲ ንገለ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምምላስ ዝሓዞ ውጥን ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ወሲኑ።
ሓሙሽተ ዳያኑ ዝሓዘ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ሎሚ ረቡዕ 15 ሕዳር 2023 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ እቶም ሓተቲ ዑቑባ ሩዋንዳ ምስበፅሑ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ውሳነ ነቲ ዓለምለኸ ኣቓልቦን ነቐፌታን ዝሰሓበ ቀንዲ ፖሊሲ መንግስቲ ዓብይ ውቅዒት እዩ።
ብሪጣንያን ሩዋንዳን ካብ ብናይ እንግሊዝ ቻነል ኣቢሎም ናብታ ሃገር ዝኣተው ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመፁ ገለ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ከሳልጡን ዝብል ስምምዕ ኣብ 2022 ምፍርራመን ይዝከር።
እቲ ውሳነ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ስለዝተበድሀ ዋላ ሓደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ኣይተልኣኸን።
ቅጥዒ