ዋሽንግተን —
ኣብ መስርሕ ፍርዲ ክጽበዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሰልፊ ዕዮ እንግሊዝ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መዕለቢ በጺሑ ኣሎ። እቶም ንሩዋንዳ ክጥረዙ ዝተመደቡ ሓተትቲ ዑቕባ’ዮም ኣቐዲሞም ንመንግስቲ እንግሊዝ ከሲሶሞ ነይሮም።
ንሰልፊ ዕዮ መሪሑ ስልጣን ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር፡ ብቐዳም፡ እቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምግዓዝ መደብ ውዱቕ ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ’ዩ።
ጠበቓ መንግስቲ ሎሚ ሰሉስ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ክሲ ተሰሪዙ ወጻኢታት እቶም ከሰስቲ ድማ ብመንግስቲ ክሽፈን ምዃኑ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ክቕበል ድሮ 240 ሚልዮን ዶላር ካብ እንግሊዝ ተቐቢሉ’ዩ። እንተዀነ ሕጂ ሰልፊ ዕዮ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ብዛዕባ ምቍራጽ እቲ መደብ ተገንዚቡ ከም ዘሎ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ገሊጹ።
ቅጥዒ